ሓበሬታ ናይ ቤት-መጽሓፍቲ ብትግርኛ (tigrinja)
ኣብ ናይ ቨርማልንድ ቤት-መጽሓፍታት ብዝተፈላለየ ቋንቋታት መጽሓፍቲ ከምኡ ዉን ፊልምታት፣ ናይ ድምጺ መጻሕፍቲ፣ ጋዝጣታትን ካልእን ክትልቃሕ ትኽእል፡ ቋንቋ ሽወደንካ ክትለማመድ እንተ ደለኻ ዉን ብቐሊል ቋንቋ ሽወደን ዝተጻሕፈ መጻሕፍቲ ኣሎ፡ ምልቃሕ ብነጻ እዩ።
ናብ ቤት-መጽሓፍቲ ኮፍ ኢልካ ከተንብብ፣ ከተጽንዕ፣ ኣብ ፍጻሜታትን ንጥፈታትን ናይ ብጹሓት ወይ ናይ ቆሉዑን ክትካፈል ወይ ክኣ ኣቡኡ ክትሁሉ ጥራይ ክትመጽእ ብድሓን ምጻእ ንብለካ።
ኣብ መብዛሕተን ቤት-መጽሓፍትታት ክትጥቀመሉ ትኽእል ኮምፕዩተራትን ዋይፋይን (WiFi) ኣሎ፡ ኣብ ብዙሓት ቤት-መጽሓፍቲ ብቑሩብ ክፍሊት ክትሓትምን፣ ክትቀድሕን (copy) ስካን (scan) ክትገብርን ትኽእል።
ኣብዚ ታሕቲ ነቶም ልሙዳት ሕቶታት መልሲ ክትረኽበሎም ትኽእል፡ ሕቶታት እንተ ኣሎካ ኩሉ ግዜ ነቶም ሰራሕተኛ ቤት-መጽሓፍቲ ክትሓትት ትኽእል ኢኻ።
ብድሓን ምጻና!