ሓበሬታ ናይ ቤት-መጽሓፍቲ ብትግርኛ (tigrinja)

ኣብ ናይ ቨርማልንድ ቤት-መጽሓፍታት ብዝተፈላለየ ቋንቋታት መጽሓፍቲ ከምኡ ዉን ፊልምታት፣ ናይ ድምጺ መጻሕፍቲ፣ ጋዝጣታትን ካልእን ክትልቃሕ ትኽእል፡ ቋንቋ ሽወደንካ ክትለማመድ እንተ ደለኻ ዉን ብቐሊል ቋንቋ ሽወደን ዝተጻሕፈ መጻሕፍቲ ኣሎ፡ ምልቃሕ ብነጻ እዩ።

ናብ ቤት-መጽሓፍቲ ኮፍ ኢልካ ከተንብብ፣ ከተጽንዕ፣ ኣብ ፍጻሜታትን ንጥፈታትን ናይ ብጹሓት ወይ ናይ ቆሉዑን ክትካፈል ወይ ክኣ ኣቡኡ ክትሁሉ ጥራይ ክትመጽእ ብድሓን ምጻእ ንብለካ።

ኣብ መብዛሕተን ቤት-መጽሓፍትታት ክትጥቀመሉ ትኽእል ኮምፕዩተራትን ዋይፋይን (WiFi) ኣሎ፡ ኣብ ብዙሓት ቤት-መጽሓፍቲ ብቑሩብ ክፍሊት ክትሓትምን፣ ክትቀድሕን (copy) ስካን (scan) ክትገብርን ትኽእል።

ኣብዚ ታሕቲ ነቶም ልሙዳት ሕቶታት መልሲ ክትረኽበሎም ትኽእል፡ ሕቶታት እንተ ኣሎካ ኩሉ ግዜ ነቶም ሰራሕተኛ ቤት-መጽሓፍቲ ክትሓትት ትኽእል ኢኻ።

ብድሓን ምጻና!

ናይ ቤት-መጽሓፍቲ ኣገልግሎት ከም ምልቃሕ ንኽትጥቀም መሕለፊ (pinkod) ዘለዎ ናይ ቤት-መጽሓፍቲ ሕሳብ ክህልወካ ኣለዎ፡ እዚ ብነጻ ኮይኑ ኣብ ሙሉእ ቨርምላንድ ዘለዋ ቤት መጽሓፍትታት የገልግል፡ 18 ዓመት ዝመላእካ ወይ ልዕሊኡ ዝኾንካ ናይ ቤት-መጽሓፍቲ ሕሳብ በዚ ዝስዕብ ከተዉጽእ ትኽእል:

  1. ናብ መርበብ ኢንተርነት www.bibliotekvarmland.se/protected/bibliotekskonto ኣቲኻ እቲ ዝምላእ ፎርም ምላእ፡ እዚ ወይ ኣብ ገዛኻ ወይ ኣብ ቤት-መጽሓፍቲ መጺእካ ክትመልኦ ትኽእል።
  2. ነቲ ዉዕል ክትፍርሞ ኣብ ቨርምላንድ ኣብ ዝመረጽካዮ ቤት-መጽሓፍቲ ኪድ፡ ቅቡል ዝኾነ ስእሊ ዘለዎ መንነት ወረቐት ተማላእ።

እንድሕሪ ደሊኻ ናይ ቤት-መጽሓፍትኻ ሕሳብ ዝተሓሓዘት ካርድ ክዉሃበካ ይካኣል እዩ ግን ናይ ግድን ክህልወካ ዘለዎ ኣይኮነን፡ እታ ካርድ እንድሕሪ ጠፊኣትካ ነቶም ሰራሕተኛ ቤት-መጽሓፍቲ ምእንቲ ክዓገትዋ (ካልእ ሰብ ከይጥቀመላ) ክሕግዙኻ ተወከሶም።

ዕድመኻ ትሕቲ 18 ዓመት እንተ ኾይኑ ኣብቲ ናይ ቤት-መጽሓፍቲ መርበብ ኢንተርነት ዘሎ ፍልይ ዝበለ ዝምላእ ዉዕል ፎርም መሊእካ ናይ ቤት-መጽሓፍቲ ሕሳብ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ፡ ነቲ ዉዕል ወለድኻ ወይ ኣለይትኻ ክፍርምሉ ኣለዎም።

ናይ ሽወደን መለለይ ቁጽሪ (personnummer) እንተ ዘይብልካ እቲ ፎርም ኣብ መርበብ ኢንተርነት ክትመልኦ ኣይትኽእልን ኢኻ። ናብ ቤት-መጽሓፍቲ ኬድካ ምልኣዮ።

ኣብቲ መርበብ ኢንተርነት ኩሉ ክትልቅሖ ትኽእል ትረክብ፡ ብተወሳኺ ኣብኡ እንታይ ንጥፈታት ከምዝግበር፣ ዝኽፈተሉን ዝዕጸወሉን ስዓታት ከምኡ ዉን ሓሳባት ናይ መጽሓፍን ካልእ ዝያዳን ትረክብ።እኽ

ኣብቲ ሚና ሲዱር (”Mina sidor”) ዝብል እንድሕሪ ኣቲኻ ማለት ሎጋ ኢን እንድሕሪ ጌርካ እንታይ ተለቂሓካ ከም ዘሎኻን ንኽንደይ ግዜ ተለቂሕካዮ ከም ዘሎኻን ማለት ምዓስ ክትመልሶ ከምዘሎካን ክትርኢ ትኽእል ፡ ብመለለይ ቁጽርኻ ማለት personnummer ወይ ክኣ በቲ ኣብ ናይ ቤት-መጽሓፍትኻ ካርድ ዘሎ ቆጽሪ ጌርካ መፍትሕ ማለት pinkod ብምሃብ ክትኣቱ ማለት ሎጋ ኢን ክትገብር ትኽእል።

ኣብቲ መርበብ ኢንተርነት ብቐጥታ ኣብቲ ናይ መድለይ ትርብዒት ድለ፡ ድሕሪ ኣብቲ ድለ ዝብል ምጥዋቕካ ናይ እቲ ትደልዮ ዉጽኢት ብቛንቋኻ ጌርካ ኣጻሪኻ ኽትደልዮ ትኽእል፡ ቋንቋ ማለት ”Språk” ዝብል ኣርእስቲ ደሊኻ ናትካ ቋንቋ ምረጽ።

እቲ ንቡር ናይ ምልቃሕ ግዜ ኣርባዕተ ሰሙን እዩ ይኹን እምበር ፍልይ ዝበለ ኩነታት ክህሉ ይኽእል እዩ፡ ክትልቃሕ ከሎኻ ነቲ ዝተለቃሕካዮ ኣየናይ ዕለት ክትመልሶ ከም ዘሎካ ዝነግር ቅብሊት ይዉሃበካ፡ ኣብ መርበብ ኢንተርነት ኣብ ሚና ሲዱር (”Mina sidor”) እንድሕሪ ኣቲኻ ሎጋ-ኢን እንድሕሪ ጌርካ ዉን እቲ ለቓሕካ መዓስ ከም ዝወድቕ ክትሪኦ ትኽእል፡ እንድሕሪ ትጠራጠር ኴንካ ነቶም ሰራሕተኛ ቤት-መጽሓፍቲ ተወከስ።

ነቲ ተለቂኽካዮ ዘሎኻ መጽሓፍ እንድሕሪ ድኣ ዘይወዳእካዮ ብቐሊሉ ብመርበብ ኢንተርነት እንደ ገና ክትልቅሖ ትኽእል፡ ከምዚ ዝስዕብ ትገብር:

  1. ኣብቲ መርበብ ኢንተርነት ኣብ ላዕሊ ብየማናይ ሸነኽ ”Logga in” ዝብል ጽሑፍ ጠዉቕ፡ ብናይ ቤት-መጽሓፍትኻ ቁጽሪ ካርድ ወይ ብመለልይ ቁጽርኻን በታ ኣርባዕተ ዝቑጽራ መሕለፊ ማለት pinkod ብምሃብ ትኣቱ
  2. ኣብታ ብየማን ኩርናዕ ዘላ ”Mina sidor” ጠዉቕ
  3. እቲ ተለቂሕካዮ ዘሎኻ ኣብ ትሕቲ ”Mina lån” ዝብል ኣርእስቲ ትኣኪቡ ኣሎ

ንቤት-መጽሓፍቲ ደዊልካ ዉን ደጊምካ ክትልቃሕ ክሕግዙኻ ክትሓቶም ትኽእል ኢኻ።

ደንጉኻ እንድሕሪ መሊስካ ሓደ ክፍሊት ትኸፍል፡ እቲ መጠን ትኸፍሎ ክፍሊት እንታይ ከም ተለቃሕካን ክንደይ ደንጒኻ ከም ዝመልስካዮን ዝተሞርኮሰ እዩ፡ ናይቲ ለቓሕ ግዜ ከተናዉሖ ከም ትኽእል ኣይትረስዕ፡ እቲ ናይ ለቓሕ ግዜ እንደ ገና ብምልቃሕ መብዛሕቱ ግዜ ከተናዉሖ ትኽእል ኢኻ።

ሓበሬታ ናይ ቤት-መጻፍትኻ ዝኽፈተሉ ስዓታት በዚ ዝስዕብ ክትረኽቦ ትኽእል፡

  1. ኣብቲ ናይ መርበብ ኢንተርነት ዘሎ ሜኑ (menyn) ነቲ ናይ ቤት-መጽሓፍቲ ዝኽፈተሉ ግዝያት ዝብል ማለት ”Bibliotek & öppettider” ጠዉቕ
  2. ነቲ ናትካ ቤት-መጽሓፍቲ ድለዮ፡ እተን ቤት-መጽሓፍትታት ብምምሕዳር ኣብ ቨርምላንድ እየን ተዳልየን ዘለዋ
  3. ሕጂ ናይ ቤት-መጽሓፍትኻ ዝኽፈተሉ ስዓታትን ካልእን ትርኢ።

እወ ኣብ መብዛሕተን ቤት-መሓፍትታት ብቑሩብ ክፍሊት ክትሓትምን ክትቀድሕን ትኽእል፡ ኣብቲ ቤት-መጽሓፍትኻ ዘለዉ ሰራሕተኛ ሕቲትካ ሓገዝ ክትረክብ ትኽእል።

ኣብ ቤት-መጽሓፍቲ ቋንቋ ሽወደን ክለማመድ ንዝደሊ ብዙሕ ደገፋት ኣሎ፡ ካብቶም ዘለዉ ደግፋት ኣብዚ ዝስዕብ ምሳሌ ነቕርብ:

  • መጽሓፍቲ ብቕልል ዝበለ ቋንቋ ሽወድን
  • መለማመዲ መጽሓፍቲ
  • መጽሓፍ ምስ ተመዓራራይ ቋንቋ
  • ሓደ ሓደ ግዜ ኣብ ቤት-መጽሓፍቲ ናይ ቋንቋ-እንዳ ቡን ይዳሎ

ብፕረስሪድር (Pressreader) ብኤለትሮኒክ ኣሽሓት ጋዜጣታት ብዝተፈላለዩ ብዙሓት ቋንቋታት ከተንብብ ትኽእል፡ ፕረስሪደር በዚ ዝስዕብ ኣገባብ ትጥቀመሉ:

  1. ኣብ Bibliotekvarmland.se ብመሕለፊኻ (PIN-kod ) ጌርካ እቶ (Logga in ግበር)
  2. ናብ መርበብ ኢንተርነት www.bibliotekvarmland.se/pressreader-hemma ኪድ
  3. ነቲ ኣብ ታሕቲ ናይቲ ገጽ ዘሎ ነቲ መላገቢ (link) ”Använd Pressreader / Use Pressreader” ጠዉቕ

ሕጂ ናብ መርበብ ፕረስሪደር ኣቲኻ ኣሎኻ ጋዜጣ ከትንብብ ክትጅምር ትኽእል፡ ጋዜጣ ብቛንቋኻ ንኽትረክብ ኣብቲ ናይ ፕረስሪደር ገጽ ጸጋማይ ኩርናዕ ዘሎ ቋንቋ (”Languages”) ዝብል ጠዉቕ።

እንድሕሪ ብናይ ቤት-መጽሓፍቲ wifi ኣቲኻ እንተ ኣሎኻ እዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ስጉምትታት ምግባር ኣየድልይካን እዩ፡ ኣብ ክንድኡ ቃጥታ ኣብ ናይ www.pressreader.com ትኣቱ ወይ ብኣይፎን/ኣይፓድ ከምኡ ዉን ኣንድሮይድ ፕረስሪደርስ ኣፕ (Pressreaders app ) ተጠቐም።

ናብ ቤት-መጽሓፍቲ መጺኦም መጽሓፍ ክልቅሑ ዘይክእሉ ”Boken kommer” ዝብሃል ኣገልግሎት ኣሎና፡ ኣብ ክንዲ ስብ ናባና ዝመጽእ መጽሓፍቲ ሒዝና ናብቲ ሰብ ንኸይድ፡ ነቶም ሰራሕተኛ ቤት-መጽሓፍቲ ብዛዕባ ናይ ቤት-መጽሓፍትኻ ”Boken kommer” ሕተት እሞ ተወሳኺ ሓበሬታ ክትረክብ ኢኻ።

እቲ ወብ ሳይት ናይ ዓለም ቤት-መጽሓፍቲ (”Världens bibliotek”) ሓደ ኣካል ናይ ሽወደን ቤት-መጽሓፍቲ እዩ፡ ኣብዚ ብሽወደን ቋንቋ ጥራይ ዘይኮነ ብኻልእ ቋንቋታት ዝንበቡን ዝስምዑን ናይ ኤለትሮኒካዊ መጽሓፍቲ ኣለዉ፡ ነዚ ኣገልግሎት ክትጥቀመሉ ኣብ ”Världens bibliotek” ሕሳብ ክትከፍት ኣሎካ፡ ብነጻ እዩ።

”Bläddra” ዝብል ኣፕ ንናይ ሃገራዊ ሒደት ቋንቋታት (nationella minoritetsspråken) ናይ ኤለትሮኒክ መጽሓፍቲ ይወፊ፡ እቲ ኣፕ ኣብ ንኣይፎን/ኣይፓድ ከምኡ ዉን ንኣንድሮይድ ኣሎ ንኽትጥቀመሉ ኽኣ ምንም ሕሳብ ኣየድልን እዩ፡ እቲ ኣፕ ብነጽ እዩ።

ብቢልዮ ኣፕ (appen Biblio) ክኣ ኤለትሮኒካዊ መጽሓፍን ናይ ድምጺ መጽሓፍን ክትልቃሕ ትኽእል፡ ይኹን እምበር ኣብዚ እቲ ዝበዝሐ መጽሓፍቲ ብቛንቋ ሽወደን እዩ፡ እቲ ኣፕ ኣብ ኣይፎን/ኣይፓድ ወይ ዉን ኣብ ኣንድሮይድ ኣዉርዶ፡ ብመመለለይ ቁጽርኻ (personnummer) ወይ ብናይ ቤት-መጽሓፍትኻ ሕሳብ ቁጽሪ ጌርካ ብምእታው መሕለፊኻ (PIN-kod) ሃብ፡ ብድሕሪኡ ምልቃሕ ብምጅማር ኣብ ቢብልዮ ምንባብ መጽሓፍቲ ጥራይ እዩ።

መብዛሕተን ኣብ ቨርምላንድ ዝርከባ ምምሕዳራት ናይ ፊልም ኣገልግሎት ስኒኣስተርና (Cineasterna) የወፍያ እየን፡ ብስኒኣስተርና ኣብ ገዛኻ ኾንካ ኣሽሓት ፊልምታት ብነጻ ከትዉሕዝ (ክትርኢ) ትኽእል፡ ንንኣሽቱን ዓበይትን ዝኸዉን ብብዙሕ ዝተፈላለየ ቋንቋታት ፊልምታት ኣሎ፡ እቲ ዘድልየካ ሓደ ናይ ቤት-መጽሓፍቲ ሕሳብ ምስ መሕለፊኡ፣ ነቲ ፊልም ንኽትሪአሉ ድማ ኮምፕዩተር፣ ስማርትፎን ወይ ታብለት ከም ኣይፓድ ከምኡ ዉን ኢንተርነትን እዩ።

ስኒኣስተርና በዚ ዝስዕብ ኣገልግሎት ትጥቀመሉ:

  1. ናብ www.cineasterna.se. እቶ
  2. ካብቲ ማእከል ስክሪን ዘሎ ዝርዝር እቲ ናትካ ቤት-መጽሓፍትኻ መሪጽካ ናብ "Gå vidare" ዝብል ቀጽል
  3. ክትሪኦ ትደሊ ፊልም ድለ
  4. መለለይ ቁጽርኻ (personnummer) ወይ ናይ ቤት-መጽሓፍትኻ ሕሳብን መሕለፊኻን ምላእ

ወዲእካ! ነታ ፊልም ኣብ 48 ዉሽጢ ስዓታት ክትሪኣ ትኽእል።

Sök

Språk